
ygeletsu | ይገለጹ - shalom h. naizgi lyrics
Loading...
ኣብ ምድረ በዳ ኣጻምእ ብተስፋ ዝዘርኡ
ንዕዮ ወንጌል ብእምነት ዝምርሹ
ብፈኸራ ማዕበል ፍጹም ዘይርበሹ
ብግብርን ብቓልን ፍቓድካ ዘንግሱ
ይገለጹ ኣገልገልቲ ከምዚኦም ዝበሉ
ሰማያዊ ናእዳኻ ጥራይ ዘቐድሙ
ናብ ክብሪ ዘሳግር ጸጋኻ ይፈልፍል
ኣባና ዝዓዪ ንዓኻ ክንመስል
ከምቲ ናይ ልብኻ ቅንኣትካ ዝቐንኡ
ስለ ሓንቲ ነፍሲ ክሳዕ ሞት ዝጋደሉ
ንምውራስ ተስፍኦም ፍጹም ዘይሕለሉ
ዕረፍቶም ሰዊኦም ደቕኻ ዘዕርፉ
ይገለጹ ኣገልገልቲ ከምዚኦም ዝበሉ
ሰማያዊ ናእዳኻ ጥራይ ዘቐድሙ
ናብ ክብሪ ዘሳግር ጸጋኻ ይፈልፍል
ኣባና ዝዓዪ ንዓኻ ክንመስል
ዓመጻ ዝጸልኡ ጽድቂ ዝፈትዉ
ንምህናጽ ቤትካ ብመንፈስ ዝተቐብኡ
ምኽርኻ ዘኽብሩ፡ ህዝብኻ ዘፍቅሩ
ሰብ*ሕድሪ ይገለጹ ወለዶ ዘስግሩ
ብእምነት ንቐርብ ንተስፋኻ ሒዝና
ከም እተቐበልናዮ ምስናይ ምስጋና
ክበዝሑ ኣብ ቤትካ ትጉሃት ዓያይቲ
ጸሎትና ነዕርግ ቀትሪ ኾነ ለይቲ
Random Song Lyrics :
- boots - fish & bird lyrics
- remission - calix (philippines) lyrics
- a drop of white | نقطه بيضا - cairokee lyrics
- polishing shoes - bobby steggert lyrics
- solange es liebe gibt - sentiro lyrics
- outro - mc kresha lyrics
- puttin on the hits - latee lyrics
- mlk 4tr3vid0 - djonga lyrics
- лаv - svt lyrics
- vs. crazyone [blb 2017 16tel-finale - berlin] - team hamburg lyrics